Literature and Language Teaching

Current Status
Not Enrolled
Price
Closed
Get Started
This course is currently closed

መእተዊ
እዚ ሞጁል እዚ ስነ ትሑፍ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ክህልዎ ዝኽእል ረብሓ ዝድህስስ እዩ፡፡ ስነ
ጽሑፍ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ምስትምሃር ቋንቋ ንክካተት ብዙሕ ግዘ ወሲዱ እዩ፡፡ ኸዚ ውን
እንተኾነ ኣብ መምሃሪ መጻሕፍቲ ተምሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ከም ንዕዘቦ ብዝግባእ
እናተሰረሐሉ እዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን፡፡ ንምንታይ? ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ምኽንያታትኳ
ምጥቃስ ዝከኣል እንተኾነ ሕጽረት ኣብቲ ሞያ ዝሰልጠኑ ሰባት ግና እቲ ቀንዲ ምኽንያት
ይመስለኒ፡፡ ስርዓተ ትምህርቲ ቋንቋ ዝሃንጹ ሙሁራን ንእጃም ስነ ጽሑፍ ክንድቲ ዝኣክል
ቦታ ዘይምሃቦም ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ርድኢት ትሑት ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር፡፡
ኣብ 1879 ዓ.ም “ብዛዕባ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ ወሬ መንገዱን ነዙ ሃገር እዙይ እውን
ብምርኣይ ኣብ ሰብነቱ ጦብላሕ ዝበሎ ጦብላሕታን ብትግርኛ” ዝብል ጉዕዞ መጽሓፍ ደብተራ
ፍስሃ ጊዮርግስ እንትሕተም ፈጠራዊ ስነጽሑፍ ትግርኛ ከም ተበሰረ ይእመን፡፡ ድሕሪ
ምሕታም እዛ መጽሓፍ ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ድማ ፈላሚት ልቢ ወለድ ትግርኛ “ሓደ ዛንታ”
ተረኺባ፡፡ ካብ 1950ታት ኣትሒዙ ድማ ብዙሓት ልቢ ወለዳት፣ ግጥምታት፣ ትርጉም
ተዋስኦታትን ካልኦት ስራሕቲ ስነ ጽሑፍን ተሓቲሞም እዮም፡፡ እንተኾነ ገሊኦም ካብ
ሕትመት መፃኢ ስለዝኾኑ ብቐሊሉ ዝርከቡኳ ተዘይኮነ እቲ ሐዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ነዚ ፀገም
እናበደሀ ብዙሓት መጻሕፍቲ ትግርኛ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብሉ ዕድል እናተፈጠረ እዩ፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ጽሑፋት ትግርኛ ብቑጽርን ዓይነት ብዙሓት ይሕተሙ ከም ዘለው ፍሉጥ
እዩ፡፡ ኣብ ሃገርን ወፃእን ዝነብሩ ጸሓፍቲ ዘሐትምዎም መፃሕፍቲ ዋላኳ ክንደይ ዝኣክል
መንበብቲ ረኺቦም ዝብል መፅናዕቲ ዘድልዮ እንተኾነ ብመሰረቱ ግና ትብዓት ዝፈጥሩ እዮም፡፡
ነዞም ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ቋንቋ ከመይ ገይርና ንጥቀመሎም ቀንዲ
ትኹረት እዚ ሞጁል እዩ፡፡ ብተወሳኺ ተምሃሮ ኣብ ጽንሰ ሓሳብ ስነ ጽሑፍ (ግጥሚ፣ ልቢ
ወለድን ተዋስኦን) ዘለዎም ርድኢት ንኸማዕብሉ ዝሕግዙ ዳህሳሳት ቀሪቦም እዮም፡፡
እዚ ሞጁል ሰለስተ ምዕራፋት ይሽፍን፡፡ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ጽንሰ ሓሳብ ስነ ጽሑፍ ክቐርብ
እዩ፡፡ ኣብ ምዕራፍ ክልተ ድማ ስነ ጽሑፍ ኣብ ክፍሊ ንምንታይ ንምህር፣ እንታይን ብኸመይ
መንገዲ ንምህርን ዝብሉ ዛዕባታት ክቐርቡ እዩ፡፡ ምዕራፍ ሰለስተ ተግባራዊ ንጥፈታት
ዝቐርብሉ እዩ፡፡

ዕላማታት እዚ ሞጁል

ተምሃሮ ድሕሪ ነዚ ሞጁል ምዝዛሞም ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ክጭብጡ ትጽቢት ይግበር፤

  • – ኣብ ጽንሰ ሓሳብ ስነ ጽሑፍ ዘለዎም ርድኢት የማዕብሉ
  • – ኣብ ምምሃር ቋንቋ፣ ስነ ጽሑፍ ዘለዎ ረብሓ ይግንዘቡ
  • – ኣብ ጽንሰ ሓሳባት ልቢ ወለድ፣ ግጥምን ተዋስኦን ዘለዎም ርድኢት የማዕብሉ
  • – ቋንቋ ንምምሃር ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ከመይ ከም ንጥቀመሎም ይግንዘቡ
  • – ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ተጠቒሞም ንምምሃር ቋንቋ ዝኸውን ትልሚ የዳልው

Shopping Basket